ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዋኒናት ንግዲ ንሕሱም እዋን ዝኸውን ተቐማጢ ከመይ ይምድባ

ኣብ መላእ ቁጠባ ኣውስትራልያ ኣዕናዊ ጽልዋ ኮቪድ-19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ጽላት ባንክ፡ መንግስታት ፈደራል፡ ግዝኣታውን ምምሕዳራዊ ዶባትን ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ ብዘይጸገም ክጸንሑ/ ክቅጽሉ ንምሕጋዝ ህጹጻት ስጉምትታት ይወስዱ’ለው። ካብ’ዚ ቀጺሉ ከመይ ጌርኩም ንሕሱም እዋን ዝኸውን ማዕከን (ሰይፍቲ ነት) ተቐምጡን ነዚ ማዕበል ክትወጽዎ ትኽእሉን ዝሕብር ሓበሬታ ቀሪቡ’ሎ።

Cafe owners letting staff go

Cafe owner letting staff go Source: Getty Images/fizkes

ነዚ ክመጽእ ኢዩ ኢሉ ዝገመተ የለን፡ እንተኾነ ግን ኮስቦኣ (COSBOA) ዝተባህለ ዝለዓለ ተጣባቒ ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ፡ ኣድለይቲ ዘይኮኑ ዝተባህሉ ዋኒናት-ንግዲ ብምኽንያት ጸቕጥታት ኮሮናቫይረስ ክዕጸው ስለዝተኣዘዙ ሽቕለተ ኣልቦነት ካብ 10% ንላዕሊ ክልዕል ከምዝኽእል ይእምት። ዋና ኣካያዲ ፒተር ስትሮንግ ወነንቲ ዋኒናት ንግዲ ብውሑዱ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸገማት ክሓልፉ ነብሶም ክቕርብዋ ይሓትት።
Centrelink queue
Australians queue at Centrelink during covid-19 pandemic. Source: Florent Rols / SOPA Images/Sipa USA
ኢንዲካ ሊያነጅ፡ ፡ ዝተባህለ ህቡብ ኣይስክረይም ዝሽየጠሉ ካፈ፡ ኣብ ከባቢ ናንዳ ከተማ ብሪዝበን ይውንን። እቲ ዋኒኑ ‘ፊት-ላቶ’ ዝተባህለ ትሑት ስብሒ ዘለዎ ኣይስክሪም ንሱፐርማኬታት የፍሪ።

 

ኣርባዕተ ዓመት ነዚ ዋኒን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሊያነጅ ቀቅድሚ’ዚ ለበዳ ነቲ ሽሊክስ ጀላቶ ዝተባህለ ንዕኡ ዘፍርየሉ ካልእ ትካል ብምግዛእ ክዓቢ ወሲኑ።  

 

ብርግጽ፡ ነቲ ትካል ምግዝኡ ዓቢይ ሓደጋ ኔርዎ፡ ንሕና ኸኣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ኢና ገዚእናዮ። ከም ኣውፈርቲ ኢና ገዚእናዮ። ስለ’ዚ እወ፡ ነዚ ወፍሪ ክንገብር ዓቢይ ውሳነ’ዩ ኔሩ፡ ግን ጌርናዮ፡ እዚ ክመጽእ’ዩ ኢልና ፈጺምና ኣይሓሰብናዮን።

 

ሊያነጅ ካብ ሰለስቲኦም ዋኒናት/መስመራት ንግድታቱ ከጋጥሞ ዝኽእል ክሳራታት ንምውሓድ ሓደ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ መደብ ከውጽእ ኔርዎ።

 

እታ ኣይስክሪም ዝሸጠላ ዱካን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ፍርቂ ናይ’ቲ ኣታዊኣ ከሲራ። እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተገዝአ ዝተፈላለየ ጨንፈራት ዝሓዘ ቤት መግቢ/ረስቶውራንት-ብራንድ ኣታዊታቱ ብኽልተ ሲሶ ቀኒሱ።

 

ሊያነጅ እቲ ዝጥቀመሉ ኣሰራርሓ ውጥን ንግዲ/ቢዝነስ ሞዴል ብቕልጡፍ ክቕይሮ ኔርዎ፡ ቤት መግብታትን ካፈታትን ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ሒዝካዮ ትኸይድን ኣገልግሎታት ምብጻሕ ናብ ገዛውትን ጥራይ ክህቡ ስለዝተኣዘዙ። 

 

ፒተር ስትሮንግ ወነንቲ ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ ክነብሩ/ክጸንሑ እንተኾይኖም ኣማስይኡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱ ከድልዮም’ዩ ኢሉ፡ ገለ ካብ'ቶም ሰራሕተኛታቶም ምስጓግ ከይተረፈ። 

 

ብዙሓት ንኣሽቱ ዋኒናት ዘለዎም ሰባት ሰራሕተኛታቶም ምስጓግ ኣይፈትውን’ዮም። ክገብርዎ ኣይደልዩን’ዮም፡ ግን ናይ ግድን ክገብርዎ ኣለዎም።

 

 

ተሓዚ ሕሳብ መንግስቲትረይዠረር ጆሽ ፍራይደንበርግ እቲ ‘ስንባደ ቑጠባ’ ኢሉ ዝጸወዖ ካብ’ቲ ትጽቢት ዝተገብርሉ ‘ዝዓሞቐ፡ ዝሰፍሐን ዝነውሐን’ ክኸውን’ዩ ኢሉ። ፈደራላዊ መንግስቲ ንዋኒናት ንግዲ ዝፈስስ ጥረ ገንዘብ ንምምንጫውን ዝተጸልጸሉ ሰራሕተኛታት ንምሕግዛን ብዙሓት ተኸታተልቲ ስጉምትታት ወሲዱ።

 

 

ከባቢ 690,000 ዋኒናት ንግዲ ትሕቲ $50 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ዘለወን ሰራሕተኛታት ክዕቅባ ተባሂሉ ካብ ግብሪ ነጻ ዝኾነ ካብ $20,000 ክሳብ $100,000 ዝኸውን ክፍሊት ክወሃበን’ዩ።

 

ነተን ክሳብ መወዳእታ ሰነ ትሕቲ $500 ሚልዮን ዶላር ኣውስትራልያ ካብ ኩሉ ዝተዋህለለ ዓመታዊ መኽሰብ (aggregated annual turnover) ዘለወን ዋኒናት ዝኸፍልኦ ግብሪ ክቅንሰለን ዘኽእል መጠን instant asset write-off threshold ካብ $30,000 ናብ $150,000 ክብ ኢሉ’ሎ።

 

ማይክል ክሮከር፡ መራሒ ግብሪ ኣብ ቻርተርድ ኣካውንታንትስ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን፡ ኣብ ትሕቲ’ዞም መደባት ሓገዛት መንግስታት ፈደራልን ግዝኣታዊ ወይ ምምሕዳራዊ ዶባትን፡ ወነንቲ ንግዲ እንታይ’ዩ ዝግብኦም/ዝፍቀደሎም ክውስኑ’ለዎምይብል።

 

ኣብ ገለ ከባቢታት ኣውስትራልያ ኣብ ሕድገታት ቀረጽ ክፍሊት ደሞዝ (payroll tax concessions) ተወሳኺ ዋሕዚ ጥረ ገንዘብ ክርከብ ይከኣል’ዩ። ክሮከር ብዛዕባ’ዚ ካብ’ቲ ሕሳብኩም ዝዓጽወልኩም ቻርተርድ ኣካውንታት ወይ ወኪል ግብሪ ምኽሪ ክትሓቱ ይመክር። 
Man fired from office
A lot of small business people do not like sacking their staff. Source: Getty Images
ስታንሊ ህሹ ‘ማይክዩብ/myCube’ ዝተባህላ ንኣሽቱ ንደገ ዝጥምት መስኮት ዘለወን መሸጣታት ኣብ ብሪዝበንን ሲድኒን የካይድ፡ ዝሓለፈ ዓመት ግን ብምኽንያት እቲ ሽዕኡ እናደኸመ ዝኸይድ ዝነበረ ቁጠባ ክዓጹ ተገዲዱ። ንሱ ከም ገዛ ኽራይ ዝኣመሰሉ ቀወምቲ ክፍሊታት ኣብ’ዚ ዘለናዮ ሃዋህው ዓበይቲ ስግኣታት ንዋኒናት ንግዲ’ዮም ይብል።

ሓደ ውዕል ገዛ ኽራይ 12 ኣዋርሕ ወይ ቅድሚኡ እንተፈሪምካ፡ ኣነ እዚኦም ሰባት ኣዝዩ ከቢድ ግዜ የሕልፉ’ለው ይብል፡ ምኽንያቱ እቲ ዝኸፍልዎ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። ሰባት ኣብ ጸገም’ዮም ዝኣትው።

ኣብ’ቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ‘ሓንሳብ ኣብ ሚእቲ ዓመት’ ኢሉ ዝገለጾ ቅልውላው፡ ማእከላይ ባንክ/ሪዘርቭ ባንክ መጠን ወለድ ናብ ኣብ ታሪኽ ዝተሓተ 0.25% ኣውሪድዎ።

ብተወሳኺ፡ ባንክታት ኣብ ኩሉ ለቓሓት ንንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ እናተሳለዩ ክጸንሑ ንምሕጋዝ ንሽዱሽተ ወርሒ ክናዋሓሎም ኣማራጺ ቀሪቦም ኣለው።

ፒተር ስትሮንግ ገዛ ክራይ ክኸፍሉ ዝጽገሙ ዘለው ወነንቲ ንግድታት ሓደ መፍትሒ ንምንዳይ ምስ ኣካረይቶም ተራኺቦም ክዘራረቡ ኣለዎም ይብል።

ኣካራይኹም ዓቢ ኣካራዪ እንተኾይኑን ምስ’ኦም ጸገም እንተሃልይኩምን ንሕና ናብ’ቲ ኣብ ትነብርሉ ግዝኣት ዝርከብ ኮሚሽነር ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ (Small Business Commissioner) ከይድኩም ኣዘራርብዎም፡ እዚ ኮሚሽነር ኣብ ቪክቶርያ፡ ሳውዝ ኣውስትራልያ፡ ወስተርን ኣውስትራልያን ኒውሳውዝወይልስ ኣሎ፡ ኣብ ኲንስላንድ ቻምፒዮን ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ (Small Business Champion) ኣሎ፡ ክትረኽብዎም እንተዘይክኢልኩም ንቤት ጽሕፈት ከይት ካርነል - ሰማዒ ጥርዓናት ብዛዕባ ንኣሽቱ ዋኒናት ንግድን ቤተሰብን - ከተዘራርብዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ማይክል ክሮከር ዘይተኣደነ ኩነታት ዘይርምርግጋእ ንመጻኢ ስለዝጽበዮም ወነንቲ ንግድን ስራሕተኛታቶምን ክዘራረቡ ብፍላይ ኣገዳሲ’ዩ። 

 

ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ ጥዑያት ሰባት ኣብ ምስሓብ ጸገም ስለዘለዎም፡ኣስራሒ ሓልዮትን ድንጋጸን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ከርኢ ኣለዎ:: ኣብ ውሽጢ’ቲ ተሪር ዝኾነ ዝምድናታት ስራሕ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ መንጎ እንተኣትዩ ውጽኢቱ ሕማቕ’ዩ ክኸውን። ምስ ሰራሕተኛታትኩም ርክብ ምቕጻል ኣገዳሲ’ዩ፡ ምናልባት ዘሕልፍዎም ዘለው ውልቃዊ ጸገማት ምርዳእ። ሕቶታቶም ምምላስ፡ ንኣብነት ‘ኩሉ ናይ ሕክምና/ሕማም ዕረፍተይ ወዲአዮ’የ። እንተሓሚመ ከመይ’ዩ ክኸውን፡ ኣብ ግዜ ሕማመይ ክትሕግዙኒ ዲኹም፧” 

 

ኣብ ትሕቲ ውጥረት እንተሃሊኹምን ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኹም ተዛራርብዎ ሰብ እንተደሊኹም ናይ 24 ሰዓታት ደገፍ ዝህቡ ብቑጽሪ 13 11 14 ላይፍላይን ኢልኩም ወይ ከኣ ብቑጽሪ 1300 22 4646 ቢዮንድ ብሉ ኢልኩም ደውሉ።

 

ካልእ’ውን ህጹጽ ደገፍ ዝህብ ናይ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣውስትራልያ ብቑጽሪ 1800 806 218 ክሳብ ሰዓት 10 ድ. ቀ. ብኣቆጻጽራ ምብራቓዊ ዞና ኣውስትራልያ ኣብ መዓልታት ስራሕ ወይ ከኣ ካብ 10 ቅ. ቀ. ክሳብ 4 ድ. ቀ. ኣብ ቀዳመ ሰንበት ክትድውሉ ትኽእሉ።

 

መስመር ቴሌፎን ህዝባዊ ጥርዓናት ዝቕበል Australian Small Business and Family Enterprise Ombudsman 1300 650 460 ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ 8 ቅ. ቀ. ክሳብ 8 ድ. ቀ. ክፉት’ዩ። 

 

 

ኣብ ቋንቋ ሓገዝ ንኽትረኽቡ ኣገልግሎት ትርጉም ብቓልን ጽሑፍን Translating and Interpreting Service ብቑጽሪ 13 14 50 ደውሉ።

ኢንዲካ ሊያነጅ፡ ፡ ዝተባህለ ህቡብ ኣይስክረይም ዝሽየጠሉ ካፈ፡ ኣብ ከባቢ ናንዳ ከተማ ብሪዝበን ይውንን። እቲ ዋኒኑ ‘ፊት-ላቶ’ ዝተባህለ ትሑት ስብሒ ዘለዎ ኣይስክሪም ንሱፐርማኬታት የፍሪ። ኣርባዕተ ዓመት ነዚ ዋኒን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሊያነጅ ቀቅድሚ’ዚ ለበዳ ነቲ ሽሊክስ ጀላቶ ዝተባህለ ንዕኡ ዘፍርየሉ ካልእ ትካል ብምግዛእ ክዓቢ ወሲኑ።


Share
Published 2 April 2020 2:32am
Updated 6 April 2020 7:54am
By Amy Chien-Yu Wang
Source: SBS Settlement guide


Share this with family and friends