ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ሰነ 2024)

on the studio with beye.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 20 ሰነ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ይካየድ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ነቲ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ንኩለን ስድራቤታት፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት 5.7 ቢሊዮን ናቕፋ ክኽፈል ከም'ዝከኣለ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ ኣሎ። ሉእኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት እዩ ነይሩ።፡ ኣብ ቃለ መሕትት ብምኽያት ቅንያት ስደተኛታት ምስ ዶክተር ኪሮስ ሕሩይ: ኣንትሮፖሎጂስትን ኪኢላ ዞባዊ ምዕባለን እዩ:: ካብቲ finding home far from home ወይ ካብ ርሑቕ ዓዲ መጺእካ ዓዲ ምንዳይ ኣብ ዝብል ትምህርታዊ ምርምሩ፡ ብዛዕባ ኩነታት ምጥያስ ኣፍሪቃዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ መጽናዕቲ ዝገበሮ መሰረት ዝገበረ ቃለ መሕትት መቐጸልታ ክቐርብ እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ መሳርሒታት ኤለክትሮኒክስን ባተሪታትን ዳግም ንኽምስራሕ ብኸመይ ይጓሓፍ፧ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ኣብዚ ሃገር እቲ ዝተረረ ሕጊ ኣጽዋር ኣጽዲቓ ። መራሕቲ ሩስያን ሰሜን ኮርያን ፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ዉዕል ፈሪሞም ። ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ሓንቲ ሱዳናዊት ስደተኛ ትርከቦም ሰለስተ ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም።



Share