ኪልያን ምባፐ ኣንፈት ፖለቲካ ፈረንሳ የተሓሳስቦ፣ ቢንያም ግርማይ ናብ ዙር ፈረንሳ የቕንዕ፣

SBS Sport Tigrinya Logo.jpg

Credit: SBS

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/06/2024) * ኪልያን ምባፐ ኣብ ፖለቲካ ሃገሩ ዝሓደሮ ስግኣት ብምግላጽ መንእሰያት ብብዝሒ ወጺኦም ከድምጹ ይጽውዕ፣ * ፋንታየ በላይነህ ኣብ ውድድር 5000 ሜ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ኣፍሪቃ ተዓዊታ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ/ ቱር ደ ፍራንስ 2024 ክሳተፉ ካብ ዝተረጋገጹ ኤርትራውያን ኮይኑ፣ * ፍረወይኒ ሃይሉ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ኣብ ፖላንድ ተዓዊታ፣* ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዩሮ 2024 ኣብ ጀርመን ቀጺሎም፣ ናብ ዝቕጽል ዙር ዝሓልፋን ዝተርፋን ሃገራት ይፍለጣ`ለዋ፣ * ኣድነቕቲ ሮናልዶ ኸኣ ናብ ሜዳ ብዘይፍቓድ ይኣትዉ ብምህላዎም ንዩኤፋ ስግኣት ጸጥታ ፈጢሮምሉ፣



Share