ቱዉምባ፡ ጽዋ ክልተ ዓለም

aba shawl

aba shawl

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣባሻውል ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሓንቲ ሰለስተ ብሰለስተ ሜትሮ ዝግፍሓ ብጭቃን ዕንጸይትን ዝተሰርሐት ንእሽቶ ገዛ ነበረት፡ ብደገ ክትርእያ ኣይተብህግንያ። ዝኣረገን ዝመረተን ዚንጎኣ ንኽትርእይ መሳልል መደያይቦ ኣየድልየካንዩ። ፍንትት ንዘበለ ሰብኣይ ይኹን ቆልዓ ከይተመጣጠረ ብማዕረ ዓይኑ ዝባን ዚንጎኣ ምጥማት ከቢድ ኣይኮነን። ብርቱዕ ዝናብን ንፋስን ዝበጃጀሎ ብጭቃ ዝተለጣጠፈ መንደቕ እታ ገዛ ኣብ እዋን ሚሸት ጩራታት ብርሃን ካብ ዉሽጢ ንደገ ይትፋእሞ ፡ እቶም ጩራታት ብደበና ከም ዝተሸፈነ ናይ ለይቲ ሰማይ ዝረኣዩ ከዋኽብቲ እዮም ዝመስሉ......



Share